ብወለንታ ክትሰርሕ ትደሊ ዲኻ፧ ኣብ ፍራንክፈርት ንኻልኦት ሰባት ክትሕግዝ እትኽእለሉ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ።
ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
ብዛዕባ ብወለንታ ክትሰርሓሎም ትኽእል ዅሉ ዝተፈላለዩ መገድታት ክትፈልጥ ትደሊ ዶ፧
ኣብዞም ዳታቤዛት ክትሕግዝ ትኽእለሉ ምቹኣት ፕሮጀክትታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ብዛዕባ ወለንታዊ ስራሕ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
- Ehrenamts-Suchmaschine Hessen (ሞተር ምድላይ ወለንተኛታት)
www.ehrenamtssuche-hessen.de- AWO Frankfurt ትካል ስራሕ ወለንታ፤
www.freiwillig-agentur.de- ወለንታዊ ትካል ናይ Bürgerinstituts Frankfurt፤ www.buergerinstitut.de/engagementdatenbank
- "Tätigkeits-Börse" (ዝርዝር ወለንታዊ ንጥፈታት) ብ Caritas Frankfurt e. V. ዝቐረበ፤
www.caritas-frankfurt.de/taetigkeitsboerse- Frankfurt hilft ንስደተኛታት ክትሕግዝ ትኽእለሎም ዝርዝር መገድታት ኣለውዎ፤
www.frankfurt-hilft.de/ehrenamtsgesuche
ንሓደ ናይ ምዕዶ መደብ ክትድግፍ ትደሊ ዲኻ፧
ምኹስኳስ ማለት ንሓደ ሰብ ከተሰንዮን ክትድግፎን ከለኻ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ፍራንክፈርት ጋሻ እንተኾይኑ። እዞም ኩሎም ፕሮጀክትታት ኩሉ ግዜ ወለንተኛታት ይደልዩ እዮም፤
- ፕሮግራም ምዃስኳስ SOCIUS ናይ Evangelischer Regionalverband Frankfurt und Offenbach፤
www.socius-frankfurt.de- ንህጻናትን መንእሰያትን ምዃስኳስ ብመንገዲ FIM Frauenrecht ist Menschenrecht:
www.fim-frauenrecht.de/mentoring-fuer-kinder-und-jugendliche- Malteser Hilfsdienst e.V.:
www.malteser-frankfurt.de/integrationslotsen- ብዓርክኻ ጀምር ዝብል መደብ ታንደም፤
www.start-with-a-friend.de
ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info
ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።
ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15
ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de
ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።
ክትሕግዝ ድሌት ኣለካ ድዩ፧ ክንድግፈካ ኢና!
ንኻልኦት ሰባት ምድጋፍ ትፈቱ ዲኻ፧ ስለዚ "ንክትፈልጦ ጽቡቕ" (Gut zu wissen) ዝብል ተኸታታሊ ፍጻመታት ብጻሕ። እዚ ተኸታታሊ ፊልም ብ Katholische Erwachsenenbildung, Caritas Frankfurt e. V. ከምኡውን AmkA ዝተዳለወ እዩ። ሕቶታት ክትሓትት፡ ርክባት ክትገብርን ካልኦት ውፉያት ሰባት ክትላለን ትኽእል ኢኻ።
www.amka.de/gut-zu-wissen