AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ስራሕ፡ ሞያ፡ ስልጠና፡ ከምኡ’ውን ትምህርቲ

Print

ልምምድ ወይ ሞያዊ ስልጠና ክትውድእ፡ ሞያ ክትሕዝ ወይ ባዕልኻ ክትሰርሕ ትደሊ ዲኻ፧

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ስራሕ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ፧

ኣብ ከም ቦርድ ስራሕ ናይ Bundesagentur für Arbeit (ፌደራላዊ ኤጀንሲ ስራሕ) ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ናይ ኦንላይን ፖርታላት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትደሊ ትኽእል ኢኻ፤
www.jobboerse.arbeitsagentur.de

ስደተኛታት፡ ካልእ ዝኾነ ሰብ እውን፡ ስራሕ ንምርካብ jobs4refugees ክጥቀም ይኽእል እዩ፤
www.jobs4refugees.org

ናይ ትምህርቲ ብቕዓትካ ኣፍልጦ ክወሃቦ ትደሊ ዲኻ፧

ምስክር ወረቐትካን ዲግሪኻን ኣፍልጦ ክህልዎም ምስ እትደሊ፡ ንኣገልግሎት ኣማኻሪ ኣፍልጦ IQ Netzwerk Hessen ተወከስ፤
www.berami.de/anerkennungsberatung

ሞያኻ ክትቅይር ወይ ሞያዊ ስልጠና ክትቅጽል ትደሊ ዶ፧

ማእከል መምርሕን ትምህርትን ኤጀንሲ FRAP ን 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ሰባት ምስ ስራሕ ብዛዕባ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ምኽሪ ይህብ። ንኣብነት፦ ስራሕ ምድላይ፡ ሞያዊ ዝንባለ፡ ናብ ስራሕ ምምላስ።
www.frap-beratungszentrum.de

እቲ gjb Gesellschaft für Jugendbeschäftigung ካብ 15 ክሳብ 27 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ብቕዓት፡ ሞያዊ ዝንባለን ልምምድን ምኽሪ ይህብ፤
www.gjb-frankfurt.de

ሕጂ እውን ቋንቋ ጀርመን ይኸብደካ ኣሎ ድዩ፧ Wirtschaft integriert ቋንቋ ጀርመን ንዝመሃሩን ኣብ ሞያዊ ስልጠና ተገዳስነት ንዘለዎምን ሰባት ምኽርን ደገፍን ይህብ። ብተወሳኺ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ብቋንቋታት ዓረብ፣ እንግሊዝን ዩክሬንን ፍላይር ኣለዎም።
www.wirtschaft-integriert.de/ausbildung

Walter Kolb Stiftung ብዛዕባ ትምህርትን ሞያን ንዝህልዉኻ ኩሎም ሕቶታት ይምልስ፤
www.walter-kolb.de

ኣዋልድን ኣንስትን መናእሰያት ይኹና ዓበይቲ ንVbFF - Verein zur beruflichen Förderung von Frauen e. V. (ማሕበር ሞያዊ ምዕባለ ደቂ ኣንስትዮ) ከዘራርባ ይኽእላ፤

Beramí ንናይ ስደት ተመኩሮ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ፡ ትምህርትን ሞያን ይምዕድ፤
www.berami.de/offene-beratung

ሓበሬታን ምኽርን ንዓለምለኻውያን ሰብ ሞያን ምሁራትን፤

  • WelcomeCenter Hessen ብቋንቋ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳን ስጳኛን፤
    www.work-in-hessen.de
  • FrankfurtRheinMain International Office ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊዝኛን፤
    www.find-it-in-frm.de

ባዕልኻ ትውንኖ ስራሕ ክትሰርሕ ትደሊ ዶ፧

ትካል ክትምስርት ወይ ብናጻ ስራሕ ክትሰርሕ ምስ እትደሊ ወይ ከም ርእሰ-ተቖጻሪ ክትሰርሕ ምስ እትደሊ፡ ነዚ ዝስዕብ ርኸብ፤

ስራሕ ኣልቦ ዲኻ፧

ስራሕ ዘይብልካ እንተኾንካ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ማእከል ስራሕ ኣመልክት። ማእከል ስራሕ ሰነዳትካ ክምርምርን ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ዲኻ ኣይትኽእልን ክውስን እዩ።

ንገንዘባዊ ሓገዝ መዓስ ብቑዕ ከም እትኸውን ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብዚ ብቋንቋታት ዓረብ፡ ቡልጋርያ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳ፡ ክሮኤሽያ፡ ፖላንድ፡ ሮማንያ፡ ሩስያ፡ ስጳኛን ቱርኪን ይርከብ፤
www.jc-frankfurt.de/fuer-arbeitssuchende/allgemeine-leistungen

ብዛዕባ ሽቕለት ኣልቦነት ሓገዝ II (Hartz IV)ን ጉዳያት ማሕበራዊ ሕግን - ከም ሽቕለት ኣልቦነት - ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ- ነዚ ዝስዕብ ርኸብ፤

ኣብ ስራሕ ጸገማት ኣለዉኻ ድዮም ወይ ብኻልኦት ምስርጣይ የጋጥመካ ኣሎ ድዩ፧

ኣብ Mobbing Kontakt Stelle (MKS) ምስርጣይ ደው ዘብለሉ መንገዲ ንምርካብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.mobbing-frankfurt.de

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ምኽሪ: Beratung vor Ort

ብዛዕባ ሞያ፡ ስልጠና፡ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ኮርስ ጀርመን ወይ ብቕዓትካ ኣፍልጦ ንምርካብ ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ማሕበራት VbFF ን ንደቂ ኣንስትዮ ምስ ስራሕ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ይመኽራ።

ኣብ stadtRAUMfrankfurt ኣብቲ ቦታ ምኽሪ ውሰድ። ኩሎም ዕለታትን ሓበሬታን፤
www.amka.de/beratung-vor-ort

ኩሉ ብዛዕባ ስራሕካ

Faire Integration ብዛዕባ ስራሕካ ዝምልከት ሕጋዊ ሕቶታት ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ዓረብኛ፣ ዳሪ፣ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ፣ ሩስያ፣ ትግርኛን ቱርኪን ሓበሬታን ምኽርን ይህብ፤
www.faire-integration.de

Faire Mobilität ማእከል ቤት ምኽሪ ምስ ስራሕን ምስ ካብ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ንዝመጹ ሰራሕተኛታትን ዝተኣሳሰር ብቋንቋታት ቡልጋርያ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ክሮኤሽያ፣ ፖላንድን ሮማንያን ምኽሪ ይህብ፤
www.faire-mobilitaet.de

ንኣስራሕቲ ዝኸውን ሓበሬታ

ዓለምለኻውያን ሰራሕተኛታት ዝቖጽሩ ወይ ክቖጽሩ ዝደልዩ ኣስራሕቲ ኣብዚ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

ምኽርታት

ኣብ ጀርመን ምስራሕ ዝምልከት ምኽርታትና እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ ።
www.amka.de/wegweiser/tipps