ሓበሬታ ንወለዲ

ውላድካ ኣብ ቀረባ እዋን ትምህርቲ ክውድእ እዩ - ድሕሪኡ እንታይ ይኸውን?

Print

መንእሰያት ካብ ትምህርቶም ምስ ወጹ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለዎም። ይኹን እምበር፤ ብዙሓት መንእሰያት እንታይ ዓይነት ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝደልዩ ወይ እንታይ ከጽንዑ ከም ዝደልዩ ብልክዕ ኣይፈልጡን እዮም። ብዙሕ ግዜ እውን ነቲ ናይ ሕልሞም ስራሕ ከመይ ጌሮም ከም ዝረኽብዎ ኣይፈልጡን እዮም።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ስራሓት ዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ?

Stadtelternbeirat ዝተፈላለዩ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት ዘርዚሮም ኣለዉ፤
www.steb-ffm.de/schule-geschafft-und-nun

gjb (Gesellschaft für Jugendbeschäftigung e.V.) ንወለዲ ምኽሪ ብነጻ ይህብ።
www.gjb-frankfurt.de/elternarbeit-beruf

gjb ኣብዛ ፊልም ኣገልግሎታቱ ይገልጽ። እታ ፊልም ንውሓታ ሰለስተ ደቓይቕ እያ።
www.youtube.com

ሓንቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ክትሰርሕ ዝሰልጠነት መንእሰይ። ኣብዛ ፊልም ብዛዕባ እዚ ትዛረብን ንመንእሰያት ምኽርታት ትህብን። እታ ፊልም 15 ደቓይቕ ትወስድ።
www.youtube.com/ausbildung

ብዛዕባ ስራሕ፤ ሞያን ስልጠናን ዝያዳ ኣፍልጦ ኣብ AmkA.Info Online guide ርኸብ። እቲ መምርሒ ብዙሕ ሓበሬታ ብዛዕባ ትኽክለኛ ስራሕ ምርካብን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ማእከላት ምኽርን ዝሓዘ እዩ።
www.amka.de/wegweiser/arbeit

ውላድካ ክመሃር ይደሊ ድዩ? AmkA.Info Online guide ብዛዕባ ናብ ኮለጅ ምኻድ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ፤
www.amka.de/wegweiser/studium

ናብ ካልእ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ክትቅይር ትደሊ ዲኻ?

ኣብ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲኻ ዝርከብ ዘይኰነስ ካልእ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ ትደሊ ዲኻ? ድሕሪኡ ብ"Gestattungs-Antrag" ፍቓድ ክትሓትት ኣለካ። ፍቓድ ክወሃበሉ ዝኽእል መሰረት ብ Schulämter Hessen (ቦርድታት ቤት ትምህርቲ Hessen) ተገሊጹ ኣሎ።
www.schulaemter.hessen.de

ናብ መበገሲ ገጽ ንመለስ "ሓበሬታ ወለዲ"

ኣርእስቲ ምረጽ AmkA.Info Online – መምርሒ ሓበሬታ፣ ማእከላት ምኽሪ፣ ኣገልግሎታት

 

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።