መንእሰያት ካብ ትምህርቶም ምስ ወጹ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለዎም። ይኹን እምበር፤ ብዙሓት መንእሰያት እንታይ ዓይነት ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝደልዩ ወይ እንታይ ከጽንዑ ከም ዝደልዩ ብልክዕ ኣይፈልጡን እዮም። ብዙሕ ግዜ እውን ነቲ ናይ ሕልሞም ስራሕ ከመይ ጌሮም ከም ዝረኽብዎ ኣይፈልጡን እዮም።
ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ስራሓት ዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ?
Stadtelternbeirat ዝተፈላለዩ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት ዘርዚሮም ኣለዉ፤
www.steb-ffm.de/schule-geschafft-und-nun
gjb (Gesellschaft für Jugendbeschäftigung e.V.) ንወለዲ ምኽሪ ብነጻ ይህብ።
www.gjb-frankfurt.de/elternarbeit-beruf
gjb ኣብዛ ፊልም ኣገልግሎታቱ ይገልጽ። እታ ፊልም ንውሓታ ሰለስተ ደቓይቕ እያ።
www.youtube.com
ሓንቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ክትሰርሕ ዝሰልጠነት መንእሰይ። ኣብዛ ፊልም ብዛዕባ እዚ ትዛረብን ንመንእሰያት ምኽርታት ትህብን። እታ ፊልም 15 ደቓይቕ ትወስድ።
www.youtube.com/ausbildung
ብዛዕባ ስራሕ፤ ሞያን ስልጠናን ዝያዳ ኣፍልጦ ኣብ AmkA.Info Online guide ርኸብ። እቲ መምርሒ ብዙሕ ሓበሬታ ብዛዕባ ትኽክለኛ ስራሕ ምርካብን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ማእከላት ምኽርን ዝሓዘ እዩ።
www.amka.de/wegweiser/arbeit
ውላድካ ክመሃር ይደሊ ድዩ? AmkA.Info Online guide ብዛዕባ ናብ ኮለጅ ምኻድ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ፤
www.amka.de/wegweiser/studium
ናብ ካልእ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ክትቅይር ትደሊ ዲኻ?
ኣብ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲኻ ዝርከብ ዘይኰነስ ካልእ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ ትደሊ ዲኻ? ድሕሪኡ ብ"Gestattungs-Antrag" ፍቓድ ክትሓትት ኣለካ። ፍቓድ ክወሃበሉ ዝኽእል መሰረት ብ Schulämter Hessen (ቦርድታት ቤት ትምህርቲ Hessen) ተገሊጹ ኣሎ።
www.schulaemter.hessen.de
ናብ መበገሲ ገጽ ንመለስ "ሓበሬታ ወለዲ"
ኣርእስቲ ምረጽ AmkA.Info Online – መምርሒ ሓበሬታ፣ ማእከላት ምኽሪ፣ ኣገልግሎታት
Frankfurt Welcome & Information Center
Stellen Sie uns Ihre Fragen zum Ankommen und Leben in Frankfurt.
Allgemeine Öffnungszeiten:
Montag bis Freitag von 10 bis 14 Uhr, Donnerstag 10 bis 18 Uhr
Adresse:
Mainzer Landstraße 293, 60326 Frankfurt am Main
So erreichen Sie uns:
per E-Mail an amka.info@stadt-frankfurt.de oder telefonisch unter (069) 212-41515.
Wir sprechen Deutsch, Englisch und weitere Sprachen.
Weitere Infos finden Sie hier.