ሓበሬታ ንወለዲ

ውላድካ ኣብ ናጻ ግዜኡ ሓድሽ ነገራት ክገብር ይደሊ

Print

ውላድካ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ብዙሕ ክመሃርን ሓድሽ ነገራት ክረክብን ይኽእል። ኣብ ፍራንክፈርት ክትገብሮም እትኽእል ብዙሓት ሕሱርን ናጻ ዝኾኑን ነገራት ኣለዉ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ስነ-ጥበብ፤ ባህሊ ወይ ስፖርት ዲኻ ትደሊ ዘለኻ?

ኣብ ፍራንክፈርት ዝርከቡ ቤተ መዘክር፤ ትያትራትን ኦፔራ ሃውስን ንህጻናት ዝኾኑ ብዙሓት ፍጻመታት ኣለዎም። ንህጻናት ዝኾኑ ምርኢታት ኣለዉ። ቆልዑ ንኽጽንበሩን ንኽመሃሩን ክገብርዎም ዝኽእሉ ነገራት። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከተማ ፍራንክፈርት ኤኤም ሜይን ክትረክብ ትኽእል፤
www.frankfurt.de/angebote-fuer-kinder

ብቤተ መዘክር ፍራንክፈርት ዝካየድ መደብ Satourday፤ ኣብ መወዳእታ ቀዳም ናይዚ ወርሒስድራቤታት ናብ ቤተ መዘክር ብነጻ ንክኣትው ይፈቅድ። ብዙሓት ቤተ መዘክር ይሳተፉ ኢዮም፤
www.kultur-frankfurt.de/satourday

Frankfurter Flöhe ናይ ህጻናት ባህላዊ መደብ የካይድ። ህጻናት ካብ መላእ ጀርመን ምስ ዝቀያየሩ ጉጅለታት ናብ ዝተፈላለዩ ተዋስኦታት ክኸዱ ይኽእሉ። ምርኢታት ኣብ ብዙሓት ኣውራጃታት ፍራንክፈርት ይካየዱ፣ ዋጋ መእተዊ ድማ ካብ 0.50 ክሳብ 4.00 ዩሮ ይበጽሕ፤
www.kinderkultur-frankfurt.de

ፍራንክፈርት Stadtbücherei ዝበሃል ናይ ከተማ ቤተ መጻሕፍቲ ኣለዋ። እቲ ቤተ መጻሕፍቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ከተማ ህንጻታት ኣለዎ። ካብቲ ቤተ መጻሕፍቲ መጽሓፍቲ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። CDs ፤ ፊልምን ጌምን እውን ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ነገር ከመይ ጌርካ ክትልቃሕ ከም እትኽእል ብቐሊል ጀርመንኛ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/stadtbuecherei

ኣብ ፍራንክፈርት ክሳብ 14 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናት ብነጻ ዝኾኑ ብዙሓት መሐንበሲታት ኣለዉ፤
www.frankfurter-baeder.de/suche

ንዑደት ወይ ንናይ መእተዊ ክፍሊት ገንዘባዊ ደገፍ የድልየካ ድዩ?

ህጻናት ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ናጻ ግዜኦም ብዙሕ ክገብሩ ይኽእሉ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ኣብዚ ይርከብ። "KUFTI" (Kultur- und Freizeitticket) ትኬት ካብ 2020 ጀሚሩ ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናት ብነጻ ክወሃብ ጸኒሑ እዩ። እቲ ትኬት ንህጻናትን መንእሰያትን ናብ ብዙሓት ምርኢታት ቤተ መዘክርን መካነ እንስሳን ብነጻ መእተዊ ይህብ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ርኸብ፤
www.kultur-frankfurt.de

Kulturpass ኣብ መሰረታዊ እቶት ደገፍ ንዝርከቡ ሰባት ናብ ብዙሓት ቤተ መዘክርን ትያትርን ምርኢታትን ብ1.00 ዩሮ ጥራይ መእተዊ ይህብ። ኣብ Schauspiel ፍራንክፈርት፣ Oper Frankfurt ከምኡ’ውን Alte Oper ብ 3.00 ዩሮ ናብ ምርኢታት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ ቅድመ-ምድላዋትን ሓበሬታን ን ባህሊፓስ Kulturpass ኣበይ ከም እተመልክት ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.kulturpass.net

ብናይ ትምህርትን ተሳትፎን ፓኬጅ (BuT) ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ፍጻመታት ንክትሳተፍ (ንህጻናትን ካብ 0 ክሳብ 17 ዓመት መንእሰያትን ጥራይ)።
www.frankfurt.de/but

ምስ ካልኦት ወለዲ፤ ቆልዑን ስድራቤትን ክትራኸብ ትደሊ ዲኻ?

ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ፍራንክፈርት ወለዲ፤ ቆልዑን ስድራቤትን ዝእከብሉ ቦታታት ኣለዉ። ኣብኡ ምስ ካልኦት ወለድን ደቆምን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፣ ምስ ካልኦት ሰባት ድማ ብዛዕባ ንዓኻ ዝምልከት ነገራትን ጸገማትን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ህጻናት ክጻወቱን ዕርክነት ክፈጥሩን ይኽእሉ፤
www.kinderbuero-frankfurt.de/eltern-kind-gruppen

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ዝርከባ ማእከላት ህጻናትን ስድራቤትን ኣቕርቦት ይህባ፤ ንኣብነት፤

  • ንኣዴታት፤ ኣቦታትን ህጻናትን ክፉት ኣኼባታት ።
  • ጉጅለታት ወላዲ-ውሉድ
  • ናይ ወለዲ ኮርሳት
  • ንወለድን ቆልዑን ዝኸውን ሙዚቃን ምንቅስቓስን
  • ሓበሬታን ምኽርን ንወለዲ

ዝርዝር ናይ ኩለን ትካላት ትምህርቲ ስድራቤት፤ ወለድን ህጻናትን ኣብዚ ምርካብ ይከኣል፤
www.familienbildung-in-frankfurt.de

ብዛዕባ እዋናዊ ፍጻሜታትን ካልኦት ንጥፈታትን ሓበሬታ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ?

ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ፍራንክፈርት ክገብርዎ ዝኽእሉ ብዙሕ እዩ። ናይ ኣድቨንትሪ መጻወቲ ቦታታት፣ ናይ ህጻናት ገዛውቲ፣ ናይ መንእሰያት ክለባትን ንኣዋልድ ዝኸውን መሳለጥያታትን ኣለዉ። ንናይ ድሕሪ ቀትሪ እብረ ወይ ንበዓላት ዝኾኑ መሰጥቲ መደባት ኣለዉ። ንንጥፈታት ህጻናት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከተማ ፍራንክፈርት ኤኤም ሜይን ክተናዲ ትኽእል ኢኻ። ዕድመ ውላድካ ክንደይ ምዃኑን ኣውራጃን ግለጽ። ድሕሪኡ ንውላድካ ዝምጥን ቦታ ወይ ኣጋጣሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
www.frankfurt.de/freizeit

ናይ Ferienkarussell ትምህርትን ናይ ዕረፍቲ ፕሮግራምን ቈልዑ ኣብ እዋን በዓላት ኣብ Hessen ክገብርዎ ዝኽእሉ እተፈላለየ ነገራት ዝሓዘ ኢዩ። ብዙሓት ናይ ትምህርትን ናይ ትርፊ ግዜን ኣጋጣሚታት ኣለዉ፤
www.ferienkarussell-frankfurt.de

ኣብ Rhein-Main4Family.de ምኽርታትን ሓበሬታን ብዛዕባ ፍጻሜታትን ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን ክትረክብ ትኽእል። ብዛዕባ ትምህርቲን ምምሃርን እውን ኣብዚ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
www.rheinmain4family.de

መጽሔት ስድራቤት Kuckuck ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ፍጻመታት፤ ኮርሳት፤ መደባት በዓላትን ንህጻናትን ወለድን ዝኸውን ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታትን ሓበሬታ ዝሓዘት እያ፤
www.kuckuck-magazin.de

 

ናብ መበገሲ ገጽ ንመለስ "ሓበሬታ ወለዲ"

ኣርእስቲ ምረጽ AmkA.Info Online – መምርሒ ሓበሬታ፣ ማእከላት ምኽሪ፣ ኣገልግሎታት

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ብሮሸር፤ Frankfurt kann günstig

ናይ Frankfurter Bündnis für Familien ብሮሸር ብዛዕባ ሕሱርን ናጻን ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ሰፊሕ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ይህብ።
www.kinderbuero-frankfurt.de/frankfurt-kann-guenstig

ምኽሪ፤ Beratung vor Ort

ንስድራቤታት ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍን ምኽርታትን ዲኻ ትደሊ ዘለኻ? ከመይ ጌርካ ገንዘብ ክትቁጥብ ከም እትኽእል ኣብ ከባቢኻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ከመይ ጌርካ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል። ወለዲ ንዑደት፤ ምሳሕን ንመዘናግዒ ንጥፈታትን ዝኸውን ገንዘብ ከመልክቱ ይኽእሉ። ብናይ ትምህርትን ተሳትፎን ፓኬጅ (BuT) ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ባህልን ትርፊ ግዜን ትኬት (Kufti) ንህጻናትን መንእሰያትን ናብ መካነ እንስሳታትን ቤተ መዘክርን ብነጻ መእተዊ ይህብ።

ኣብቲ ቦታ ምኽሪ ኣብ stadtRAUMfrankfurt ርኸብ። ኩሎም ዕለታትን ሓበሬታን፤
www.amka.de/beratung-vor-ort