ሓበሬታ ንወለዲ

ውላድካ ኣብ ትምህርቲ ሓገዝ የድልዮ

Print

ብገዛእ ርእስኻ ክትመሃር ቀሊል ኣይኮነን። ንውላድካ ክትድግፎ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ንውላደይ ንኽመሃር ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል፧

መርበብ ሓበሬታ ናይ gjb (Gesellschaft für Jugendbeschäftigung e.V.) ብዛዕባ ሜላታት ትምህርቲ ዝምልከት ምኽርታት ዝሓዘ እዩ። ቆልዑ ባዕሎም እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ክድግፉ ከም ዝኽእሉን ይገልጽ። ኣብዚ ኣርእስቲ ካልእ ብዙሕ መላግቦታት ኣለዉ።
www.gib-frankfurt.de/lernen

ኣብ ታሕቲ ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ዝርዝር ናይ መስመር ኢንተርነት ትምህርቲ መድረኻት ኣሎ። እቲ ዝርዝር ኣብቲ ፋይል ብሰማያዊ መስመር ተደሪቱ ኣሎ። ክተወርዶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝርዝር ናይ ትምህርቲ ፊልምታትን መድረኻትን ዝወስድ መላግቦታት ዝሓዘ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ደረጃ ክፍሊ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት "ሒሳብ" ወይ "ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ"።
www.gib-frankfurt.de/lernplattformen

ውላደይ ጀርመንኛ ንኽመሃር ሓገዝ ክረክብ ይኽእል ድዩ?

ውላድካ ገና ቋንቋ ጀርመን ጽቡቕ ጌሩ እንተዘይተዛሪቡ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እዩ። እዚ ካብ Kultusministerium Hessen ዝመጸ ናይ ኢንተርነት ጽሑፍ እንታይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእል ይገልጽ። ኣብ ትምህርቲ ገና ንዘይኣተዉ ህጻናት ሓገዝ ኣሎ። ከምኡ’ውን ነቶም ድሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ወይ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ዘለዉ ህጻናት ሓገዝ ኣሎ።
www.kultusministerium.hessen.de

ኣብ Staatliches Schulamt Frankfurt (ማእከል ምቕባልን ምኽርን ኣብያተ ትምህርቲ) ዝርከብ Aufnahme- und Beratungszentrum (ABZ) ንስድራቤታት መጻእተኛታትን ስደተኛታትን ይድግፍ። እዚ ማእከል ፤ ቋንቋ ጀርመን ውሑድ ወይ ውን ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብሎም ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ፍራንክፈርት ንዝገዓዙ ተማሃሮ ዝራኸቡሉ ቦታ እዩ።
www.schulaemter.hessen.de/frankfurt-am-main/abz

ንናይ ትምህርቲ ደገፍ ገንዘባዊ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል ድየ?

ብመንገዲ ፓኬጅ ትምህርትን ተሳትፎን (BuT) ገንዘባዊ ደገፍ ምርካብ ይከኣል፣ ንኣብነት ን፤

  • ናይ ትምህርቲ ደገፍ
  • ናይ ቤት ትምህርቲ መጻሕፍትን ናይ ትምህርቲ ናውትን

www.frankfurt.de/but

ናብ መበገሲ ገጽ ንመለስ "ሓበሬታ ወለዲ"

ኣርእስቲ ምረጽ AmkA.Info Online – መምርሒ ሓበሬታ፣ ማእከላት ምኽሪ፣ ኣገልግሎታት

 

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

 

ምኽሪ፤ Beratung vor Ort

ንስድራቤታት ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍን ምኽርታትን ዲኻ ትደሊ ዘለኻ? ከመይ ጌርካ ገንዘብ ክትቁጥብ ከም እትኽእል ኣብ ከባቢኻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ከመይ ጌርካ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል። ወለዲ ንዑደት፤ ምሳሕን ንመዘናግዒ ንጥፈታትን ዝኸውን ገንዘብ ከመልክቱ ይኽእሉ። ብናይ ትምህርትን ተሳትፎን ፓኬጅ (BuT) ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ቦታ ምኽሪ ኣብ stadtRAUMfrankfurt ርኸብ። ኩሎም ዕለታትን ሓበሬታን፤
www.amka.de/beratung-vor-ort