ሓበሬታ ንወለዲ

ውላድካ ኣብ ሓሙሻይ ክፍሊ ይኣቱ ኣሎ።

Print

ውላድካ ናይ መባእታ ትምህርቲ ራብዓይ ክፍሊ ወዲኡ ኣሎ። ሕጂ ውላድካ ናብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይኣቱ ኣሎ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

እንታይ ናይ ትምህርቲ ምቁራጽ ቅጥዕታት ኣለዉ?

Kulturministerium Hessen (ሚኒስትሪ ትምህርትን ባህላዊ ጉዳያትን) ውላድካ ኣብ Hessen ክረኽቦ ዝኽእል ናይ ትምህርቲ ምቁራጽ ቅጥዕታት ዝገልጽ ሓጸርቲ ፊልምታት የቕርብ። ኣብ "YouTube" ዝቐርባ ፊልምታት ኣስታት ሓሙሽተ ደቓይቕ እየን። ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለዋ እየን።
www.youtube.com/deutsch
www.youtube.com/englisch
www.youtube.com/arabisch
www.youtube.com/französisch
www.youtube.com/türkisch

እዞም መላግቦታት እዚኦም ናብ ብዛዕባ እተን ውላድካ ክኸደለን ዝኽእል ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ሓበሬታ ክወስዱኻ እዮም። ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ምውጻእ ቅጥዕታት እውን ይገልጹ። ወለዲ ንውላዶም ናብ ኣየናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክሰድድዎ ከም ዝደልዩ ይመርጹ። ካብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ባህላዊ ጉዳያትን ዝመጸት 28 ገጻት ዘለዋ ንእሽቶ መጽሓፍ፤ ኣብዚ ውሳነ ንክሕግዘካ ንመን ክትሓትት ከም እትኽእል ትነግረካ። ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብዚ ኣውርድ ። ኣብታ ንእሽቶ መጽሓፍ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ፍላይር ተጠቓሊሉ ኣሎ። ነቲ ፍላይር ኣብዚ ኣውርድ ።

ኣየነይቲ ቤት ትምህርቲ እያ ትኽክለኛ?

ውላድካ ናብ ኣየናይ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኸይድ ንስኻ ኢኻ ትውስን። ካብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝመጸ መምህር ነየነይቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝመክር ክነግረካ እዩ። ናይ Schulämter Hessen (ቦርድታት ቤት ትምህርቲ Hessen) መርበብ ሓበሬታ እዚ ለበዋ እንታይ ማለት ምዃኑ ይገልጽ። ብዛዕባ ምቕያር ኣብያተ ትምህርቲ ሓበሬታ ዝህቡ መላግቦታት እውን ክትረኽብ ኢኻ።
www.schulaemter.hessen.de

ከተማ ፍራንክፈርት ኤኤም ሜይን ንኻልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዝምልከት መምርሒ የቕርብ። ነዚ መምርሒ እዚ ተጠቒምካ ንውላድካ ዝምችእ ቤት ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/weiterfuehrende-schulen

ወኪል ወለዲ Stadtelternbeirat ናብ ሓሙሻይ ክፍሊ ንምድያብ ሓበሬታ ይህብ
www.steb-ffm.de/uerbergang-von-4-nach-5

Stadtelternbeirat ብዛዕባ እዚ ብቋንቋታት ዓረብ፤ እንግሊዝ፤ ፈረንሳ፤ ክሮኤሽያ፤ ፖላንድ፤ ሮማንያ፤ ሩስያን ቱርኪን ዝገልጽ ፍላይር ኣቕሪቡ ኣሎ።
www.steb-ffm.de/flyer-uebergang-von-4-nach-5

ካብ ማሕበራት ስራሕ መንእሰያት gjb (Gesellschaft für Jugendbeschäftigung e.V.) ሓደ ኣማኻሪ ኣብዚ ቪድዮ ዝተፈላለዩ ካብ ቤት ትምህርቲ ንምውጻእ ትኽተሎም መንገድታት ይገልጽ። እቲ ቪድዮ ብዙሕ ሓጋዚ ምኽርታት ዝሓዘ እዩ።
www.youtube.com/schulabschluss

ናብ መበገሲ ገጽ ንመለስ "ሓበሬታ ወለዲ"

ኣርእስቲ ምረጽ AmkA.Info Online – መምርሒ ሓበሬታ፣ ማእከላት ምኽሪ፣ ኣገልግሎታት

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

 

ክፉት ዝኾነሉ መዓልታት

ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንሓደስቲ ተማሃሮን ወለደን ቆጸራ ይህባ። ንኣብነት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናብ ክፉት ዝኾነሉ መዓልታት ("Tag der offenen Tür") ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ርእሰ መምህራን ቤት ትምህርትን መምህራን ክፍልን ኣብ ክፉት ዝኾነሉ መዓልታት ብዛዕባ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዝወሃቡ ትምህርትታት ይዛረቡ። ዕለታት ናይ ዝኽፈተሉ መዓልታት ኣብዚ ኣሎ። ኣድራሻን ቁጽሪ ተሌፎንን ቦርድ ቤት ትምህርቲ እውን ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዝኽፈተሉ መዓልታት ዝብል ድለ።