AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ኣብ ፍራንክፈርት ምምሃር

Print

ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ሜይን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትመሃር ትደሊ ዶ፧

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ትኽክለኛ ናይ ዲግሪ ፕሮግራም ትደሊ ዲኻ ዘለኻ ወይስ ትምህርቲ ክትጅምር ኢኻ ትደሊ ፧

ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ናይ ተምሃሮ ማእከላት ምኽሪ ኣለዉ። እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ምቹእ ፕሮግራም ዲግሪ ምምራጽ፡ ብኸመይ ከም እተመልክትን ካልእ ክህልወካ ዝኽእል ሕቶታትን ክመኽሩኻ እዮም፤

መበቆልካ ካብ ጀርመን ዘይኮነ ኮይኑ ግን ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ግን ክትመሃር ትደሊ ዲኻ፧

ብተወሳኺ ንዓለምለኻውያን ተማሃሮ፣ ናብ ጀርመን ዝተሰደዱ መንእሰያትን ንናይ ወጻኢ ተማሃሮ ክኾኑ ዝኽእሉን ፍሉያት ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣለዉ፤

  • ዓለምለኻውያን ተማሃሮ ኣብ FrankfurtRheinMain ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ብዙሕ ሓበሬታ ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊዝኛን ክረኽቡ እዮም፤
    www.find-it-in-frm.de
  • Academic experience Worldwide e. V. ነቶም ስደተኛታት ክኾኑ ዝኽእሉ ተማሃሮ ምኽሪ ይህብ፤
    www.aeworldwide.de/studyassistant
  • ካብ ዩኒቨርሲቲ ጎተ ፍራንክፈርት ንዓለምለኻውያን ተማሃሮ ምኽሪ ርኸብ።
    www.uni-frankfurt.de/international-office
  • ምኽሪ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ዩኒቨርሲቲ ፍራንክፈርት ተግባራዊ ሳይንስ
    www.frankfurt-university.de/international-office
  • ካብ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ዩኒቨርሲቲ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ፍራንክፈርት (HfMDK) ምኽሪ ርኸብ፡
    www.hfmdk-frankfurt.de/international-office
  • ናብ ጀርመን ንዝተሰደዱ መንእሰያት ትምህርታዊ መምርሒ ካብ Garantiefonds Hochschule (ዩኒቨርሲቲ ትምህርታዊ መምርሒ ውሕስነት ፈንድ) ክርከብ ይከኣል፤
    www.bildungsberatung-gfh.de

ገንዘባዊ ደገፍ የድልየካ ድዩ፧

ኣብ ጀርመን ንተማሃሮ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ BAföG ይበሃል። ፕሮግራም BAföG ንሞያዊ ስልጠና (ኣፕረንትሺፕ)ን ንላዕለዋይ ትምህርትን ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ ይህብ። ካብ Bundesministerium für Bildung und Forschung (ፌደራል ሚኒስትሪ ትምህርትን ምርምርን) ዝያዳ ሓበሬታ ርኸቡ፤
www.bafoeg.de

ትነብረሉ ቦታ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ፧

ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ንተማሃሮ ዝኾኑ ብዙሓት መንበሪ ኣዳራሻት ኣለዉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ Studentenwerk Frankfurt (ማሕበር ጉዳያት ተመሃሮ) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
www.studentenwerkfrankfurt.de/wohnheime

ኣረጋውያን ዘለዉዎ መንበሪ ገዛ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ፤ ኣብዚ መንበሪ ንኣረጋውያን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብምሕጋዝ ከም ውጽኢቱ ውሑድ መጠን ክራይ ትኸፍል።። ኩሉ ዘድልየካ ሓበሬታ ካብ Bürgerinstitut (ትካል ዜጋታት) ክትረክብ ትክእል ኢኻ፤
www.buergerinstitut.de/generationenwohnen

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 - 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ሓደስቲ ሰባት ክትላለ ትደሊ ዲኻ፧

Goethe-Universität Frankfurt ንዓለምለኻውያን ተማሃሮ ማሕበራዊ መደባት የዳሉ። ኩሉ ሓበሬታ ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊዝን፤
www.uni-frankfurt.de/
internationaler_studientreff

ምኽርታት

ብተወሳኺ፡ ናብ ገርመን ምስ ኣተኻ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ዝመክር መምርሒ ተኸተል.
www.amka.de/wegweiser/tipps