ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ሜይን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትመሃር ትደሊ ዶ፧
ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
ትኽክለኛ ናይ ዲግሪ ፕሮግራም ትደሊ ዲኻ ዘለኻ ወይስ ትምህርቲ ክትጅምር ኢኻ ትደሊ ፧
ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ናይ ተምሃሮ ማእከላት ምኽሪ ኣለዉ። እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ምቹእ ፕሮግራም ዲግሪ ምምራጽ፡ ብኸመይ ከም እተመልክትን ካልእ ክህልወካ ዝኽእል ሕቶታትን ክመኽሩኻ እዮም፤
- ናይ Bundesagentur für Arbeit (ፌደራላዊ ኤጀንሲ ስራሕ) ኣገልግሎት ምኽሪ ተማሃሮ ፤
www.arbeitsagentur.de/studium- ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ምኽሪ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተግባራዊ ሳይንስ ፍራንክፈርት፤
www.frankfurt-university.de/beratungsangebote- ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ምኽሪ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ Goethe፤
www.uni-frankfurt.de/studienberatung- ካምፓስ ላዕለዋይ ትምህርቲ፤
www.hochschulkompass.de/hilfe-bei-der-studienwahl
መበቆልካ ካብ ጀርመን ዘይኮነ ኮይኑ ግን ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ግን ክትመሃር ትደሊ ዲኻ፧
ብተወሳኺ ንዓለምለኻውያን ተማሃሮ፣ ናብ ጀርመን ዝተሰደዱ መንእሰያትን ንናይ ወጻኢ ተማሃሮ ክኾኑ ዝኽእሉን ፍሉያት ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣለዉ፤
- ዓለምለኻውያን ተማሃሮ ኣብ FrankfurtRheinMain ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ብዙሕ ሓበሬታ ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊዝኛን ክረኽቡ እዮም፤
www.find-it-in-frm.de- Academic experience Worldwide e. V. ነቶም ስደተኛታት ክኾኑ ዝኽእሉ ተማሃሮ ምኽሪ ይህብ፤
www.aeworldwide.de/studyassistant- ካብ ዩኒቨርሲቲ ጎተ ፍራንክፈርት ንዓለምለኻውያን ተማሃሮ ምኽሪ ርኸብ።
www.uni-frankfurt.de/international-office- ምኽሪ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ዩኒቨርሲቲ ፍራንክፈርት ተግባራዊ ሳይንስ፤
www.frankfurt-university.de/international-office- ካብ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ዩኒቨርሲቲ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ፍራንክፈርት (HfMDK) ምኽሪ ርኸብ፡
www.hfmdk-frankfurt.de/international-office- ናብ ጀርመን ንዝተሰደዱ መንእሰያት ትምህርታዊ መምርሒ ካብ Garantiefonds Hochschule (ዩኒቨርሲቲ ትምህርታዊ መምርሒ ውሕስነት ፈንድ) ክርከብ ይከኣል፤
www.bildungsberatung-gfh.de
ገንዘባዊ ደገፍ የድልየካ ድዩ፧
ኣብ ጀርመን ንተማሃሮ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ BAföG ይበሃል። ፕሮግራም BAföG ንሞያዊ ስልጠና (ኣፕረንትሺፕ)ን ንላዕለዋይ ትምህርትን ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ ይህብ። ካብ Bundesministerium für Bildung und Forschung (ፌደራል ሚኒስትሪ ትምህርትን ምርምርን) ዝያዳ ሓበሬታ ርኸቡ፤
www.bafoeg.de
ትነብረሉ ቦታ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ፧
ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ንተማሃሮ ዝኾኑ ብዙሓት መንበሪ ኣዳራሻት ኣለዉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ Studentenwerk Frankfurt (ማሕበር ጉዳያት ተመሃሮ) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
www.studentenwerkfrankfurt.de/wohnheime
ኣረጋውያን ዘለዉዎ መንበሪ ገዛ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ፤ ኣብዚ መንበሪ ንኣረጋውያን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብምሕጋዝ ከም ውጽኢቱ ውሑድ መጠን ክራይ ትኸፍል።። ኩሉ ዘድልየካ ሓበሬታ ካብ Bürgerinstitut (ትካል ዜጋታት) ክትረክብ ትክእል ኢኻ፤
www.buergerinstitut.de/generationenwohnen
ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info
ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።
ቴሌፎን፤ 069 - 21 24 15 15
ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de
ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።
ሓደስቲ ሰባት ክትላለ ትደሊ ዲኻ፧
Goethe-Universität Frankfurt ንዓለምለኻውያን ተማሃሮ ማሕበራዊ መደባት የዳሉ። ኩሉ ሓበሬታ ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊዝን፤
www.uni-frankfurt.de/
internationaler_studientreff
ምኽርታት
ብተወሳኺ፡ ናብ ገርመን ምስ ኣተኻ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ዝመክር መምርሒ ተኸተል.
www.amka.de/wegweiser/tipps
ናብ ምምረጺ ኣርእስቲ ተመለስ።