ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ክትነብረሉ እትኽእል ቦታ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ፧ ኩሉ ግዜ ኣፓርታማ ወይ ገዛ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ትዕግስትን ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ቁሩብ ዕድል የድልየካ።
ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
ኣብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ክትነብር ትደሊ ዲኻ፧
መድለዪ ፖርታላት ክትነብረሉ ትኽእል ቦታ ንምርካብ ጽቡቕ መገዲ እዩ፤
- ማሕበራት ኣባይቲ፤
www.frankfurt.de/wohnungsunternehmen- ንግዳዊ ፖርታላት፤
www.immobilienportale.com- ናይ ሓባር ኣፓርታማታት፤
www.wg-gesucht.de
ኣፓርታማ ክትደሊ ወይ ድማ ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣታት ናይ ሓደ ኣፓርታማ መወዓውዒ ከተእትዉ እውን ትኽእል ኢኻ።
"Wohnen in Frankfurt" (ኣብ ፍራንክፈርት ምንባር) እትብል ንእሽቶ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣባይትን ክራይን ሓበሬታ ትህብ። ንኣብነት: ከመይ ጌረ እየ ኣፓርታማ ክረክብ ይኽእል፧ ኣፓርታማ ክካረ ከለኹ እንታይ መሰል ኣለኒ፧ ረብሓ መንበሪ ኣባይቲ እንታይ እዩ? ንዝኾነ ሕቶታትካ ዝምልሱ ወይ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ሓገዝ ዝህቡኻ ናይ ኣገልግሎታት ኣድራሻታትን ቁጽሪ ተሌፎንን ክትረኽብ ኢኻ። እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ብኣምት ፉር ዎህኑንግስዌሰን (ቤት ጽሕፈት ኣባይቲ) ከተማ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ዝተሓትመት እያ።
www.frankfurt.de/wohnen-in-frankfurt
ትካረዮ ሕሱር ኣፓርታማ ዲኻ ትደሊ ዘለኻ፧
ኣብ ፍራንክፈርት ብመንግስቲ ብኸፊል ዝኽፈሎም ገለ ኣፓርታማታት ክራይ ኣለዋ ። እዚኦም "Sozialwohnungen" (ማሕበራዊ ኣባይቲ) ይበሃሉ። ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ መን ክነብር ከም ዝፍቀደሉ ትውስን።
ማሕበራዊ ኣባይቲ እንተደሊኻ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣባይቲ ከተመልክት ክትግደድ ኢኻ። ንማሕበራዊ ኣባይቲ ብቑዕ ንምዃን፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊስካ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ንሓደ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ከም ነባሪ ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ። ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ ቅድሚ ምምዳብካ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ (ሓያሎ ዓመታት) ክወስድ ይኽእል።
ንማሕበራዊ ኣባይቲ ንምምልካትን ንዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን ን ቤት ጽሕፈት ኣባይቲ ኣዘራርብ፤
www.frankfurt.de/wohnungssuche-wohnungsvermittlung
ብዛዕባ ኣፓርታማኻ ሕቶታት ኣለካ ድዩ፧
- ድሕሪ ሕጂ ክራይ ገዛኻ ክትከፍል ኣይትኽእልን ዲኻ፧ እዚ ማለት ካብ ኣፓርታማኻ ክትወጽእ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ ማለት ድዩ፧ ከምዚ ዓይነት ጸገማት እንተሃልዮምኻ፡ ኣካል ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝኾነ Hilfen zur Wohnungssicherung (ፍላትኩም ንምሕላው ሓግዙ) ተወከስ፤
www.frankfurt.de/hilfen-zur-wohnungssicherung- ኣብ ኣፓርታማኻ ወይ ኣብቲ እትነብረሉ ህንጻ ገለ ጸገም ኣሎ ድዩ፧ ንኣብነት ሰበባ ኣለዎ ድዩ፧ ከምኡ እንተኾይኑ፧ ን Wohnungsaufsicht des Amts für Wohnungswesen (ተቖጻጻሪ ኣባይቲ ቤት ጽሕፈት ኣባይቲ) ኣዘራርብ፤:
www.frankfurt.de/hilfen-bei-wohnungsmaengeln- ብዛዕባ ስምምዕ ክራይ ገዛኻ ዝኾነ ሕቶታት እንተሃልዩኻ Amt für Wohnungswesen ክሕግዘካ እዩ። ካብ mietrechtliche Beratung (ኣገልግሎት ምኽሪ ሕጊ ክራይ)፡ Stabstelle Mieterschutz (ኣሃዱ ሓለዋ ተኻረይቲ) ከምኡ’ውን Mietpreiskontrolle (ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ክራይ) ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
- ብዙሕ ክራይ ገዛ ትኸፍል እንተኾንካ
- ወከልቲ ንብረት (ክራይ ኣፓርትመንት ዘዳልዉ ሰባት) ጌጋ እንተገይሮም
- ኣብ ክራይ ገዛኻ ተወሳኺ ሓገዝ እንተደሊኻ፤
www.frankfurt.de/hilfe-bei-mietfragen
ካብ ኣፓርታማኻ ክትወጽእ ምልክታ ተዋሂቡካ ድዩ፧ ካብ ኣፓርታማኻ ክትወጽእ ተገዲድካ ዲኻ፧
ክትሓቶም እትኽእል ዝተፈላለዩ ሰባት ኣለዉ። ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ መዓልቲ ማእከላት ከምኡ’ውን ክትሓድረሎም እትኽእል ቦታታት እውን ኣለዉ። ኣብዞም ቦታታት ምኽርን ሓገዝን እውን ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ Frankfurt hilft ዝርዝር ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt-hilft.de/anlaufstellen
Besonderer Dienst 3 im Jugend- und Sozialamt (ፍሉይ ኣገልግሎት 3 ኣብ ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ማሕበራዊ ድሕነትን) ንገዛ ዘይብሎም ሰባትን ንወልፊ ሓገዝ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ኣለዎ፤
www.frankfurt.de/hilfen-bei-wohnungslosigkeit-sucht
ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info
ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።
ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15
ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de
ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።
ምኽሪ፡ Beratung vor Ort
እቲ Stabstelle Mieterschutz (ኣሃዱ ሓለዋ ተኻረይቲ) ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ኣብ stadtRAUMfrankfurt ኣብ ዝተኻረየ ንብረት ምንባር ክህልወካ ዝኽእል ዝኾነ ሕቶታትን ጸገማትን ክመኽረካ እዩ።
ኪድ ጥራይ! ኩሎም ዕለታትን ሓበሬታን፤
www.amka.de/mietfragen
ኣብ stadtRAUMfrankfurt እውን፤ እቲ Wohngeldbehörde (ቤት ጽሕፈት ጥቕሚ ኣባይቲ) ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ብዛዕባ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኣባይቲ ክመኽረካ ይኽእል እዩ።
ኪድ ጥራይ! ኩሎም ዕለታትን ሓበሬታን፤
www.amka.de/wohngeld
ምኽርታት
ኣብ ፍራንክፈርት ምንባር ዝምልከት ምኽርታትና እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
www.amka.de/wegweiser/tipps