ትምህርቲ ምጅማር ኣብ ህይወት ውላድካ መሳጢ ሓድሽ መድረኽ እዩ።
ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
ብዛዕባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ?
Der Landeselternbeirat (ናይ ወለዲ ወኪል ኣካል) ብዛዕባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። እቲ ሓበሬታ ብመስርዕ ፊደላት ተሰሪዑ ኣሎ። ካብ A ኢልካ Abitur ክሳብ E (Elternabend) ንናይ ወለዲ ምሸት ክሳብ W (Wahl) ንምርጫ ቤት ትምህርቲ።
www.leb-hessen.de
ብዛዕባ ብዙሓት ኣርእስታት ቤት ትምህርቲ ዝያዳ ክትፈልጥ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከተማ ፍራንክፈርት ኤኤም ሜይን ክትረክብ ትኽእል። ንኣብነት ወለዲ ዝውክሉ ኣካላት (Elternbeirat)፤ ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኣብያተ ትምህርቲ፤ ምትእትታው ወይ ንህጻናት ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘባዊ ሓገዝ (Schüler-BAföG)።
www.frankfurt.de/schulen-in-frankfurt-am-main
ዝርዝር ናይ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ፍራንክፈርት ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ። ኣብያተ ትምህርቲ ብኣውራጃ ወይ ብዓይነት ቤት ትምህርቲ እውን ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።
www.frankfurt.de/schulwegweiser
"Lernmittelfreiheit" ማለት ነጻ መጻሕፍትን ካልእ መምሃሪ ናውትን ማለት እዩ፤ ኣብ Hessen ዝርከቡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ንትምህርቲ ዘድልዮም መጻሕፍቲ ክኸፍሉ የብሎምን። ነቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝመሃርዎም ዓይነታት ትምህርቲ ዘድልዮም መጻሕፍትን ካልእ ነገራትን ከም ኬሚስትሪን ሶፍትዌርን ተለቂሖም ኣብ መወዳእታ ናይ ትምህርቲ ዓመት ናብ ቤት ትምህርቲ ይመልስዎ። ብዛዕባ እዚ ኣብ Kultusministerium Hessen (ሚኒስትሪ ትምህርትን ባህላዊ ጉዳያትን Hessen) ዝያዳ ኣንብብ፤
www.kultusministerium.hessen.de/lernmittelfreiheit
ውላደይ ብኸመይ ብውሕስነት ናብ ቤት ትምህርቲ ክበጽሕ ይኽእል? ናብ ቤት ትምህርቲ ንዘብጽሕ ኣውቶቡስ ወይ ባቡር ባዕለይ ክኸፍል ኣለኒ ድዩ? ብዛዕባ ናብ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ሓበሬታ ካብ ከተማ ፍራንክፈርት ኤኤም ሜይን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/schulweg
ኣብ Hessen ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ዝብዓሉ በዓላት ኩሎም ዕለታት ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ።
www.kultusministerium.hessen.de/ferientermine
ውላድካ ኣብ Frankfurt ሓድሽ ድዩ ከምኡ ውን ጀርመንኛ ብፍጹም ዘይዛረብ ወይ ኣዝዩ ውሑድ ዝዛረብ ድዩ?
ኣብ Staatliches Schulamt Frankfurt (ማእከል ምቕባልን ምኽርን ኣብያተ ትምህርቲ Frankfurt) ዝርከብ Aufnahme- und Beratungszentrum (ABZ) ንስድራቤታት መጻእተኛታትን ስደተኛታትን ይድግፍ። እዚ ማእከል ፤ ቋንቋ ጀርመን ውሑድ ወይ ውን ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብሎም ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ Frankfurt ንዝገዓዙ ተማሃሮ ዝራኸቡሉ ቦታ እዩ።
www.schulaemter.hessen.de/frankfurt-am-main/abz
ኣብ ቤት ትምህርቲ ደገፍ የድልየካ ድዩ?
Stadtelternbeirat ንኹሎም ኣብ Frankfurt ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ቆልዑ ዘለዎም ወለዲ ዝውክል ኣካል እዩ፤
www.steb-ffm.de
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ስክፍታ እንተሃልዩካ ክትረኽቦ እትኽእል ወኪል ወለዲ ኣሎ።
ሓገዝ ንምርካብ እትኽእለሎም ሓያሎ ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣለዉ። ተወሳኺ ኣብዚ ኣንብብ፤ ደገፍ የድልየካ። Sie brauchen Unterstützung
ናብ መበገሲ ገጽ ንመለስ "ሓበሬታ ወለዲ"
ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info
ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።
ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15
ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de
ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።